Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ሆስፒታል ኮቪድ-19 ኣዲስ ኣበባ 5 ጳጉሜን ዕላዊ ስርሑ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ቡልቡላ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ፊልድ ሆስፒታል ቫይረስኮሮና  5 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ዕላዊ ስርሑ ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ብምዃን ብኣተሓባባርነት ሚኒስቴር ጥዕናን ብደገፍ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል ጥዕናን ዝተሃነፀ ኢዩ።

ፊልድ ሆስፒታል ኮቪድ-19 ኣዲስ ኣበባ 5 ጳጉሜን ዕላዊ ስርሑ ዝጅምር እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ 200 ዓራት ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.