Fana: At a Speed of Life!

ፊንላንድ ናብ ኔቶ ንምፅምባር ካቢኔ እታ ሃገር ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድ ናብ ትካል ሰሜን ኣትላንቲክ ጦር ቃል ኪዳን (ኔቶ) ክትፅምነር ከምትደሊ ካቢኔ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሳውሊ ኒኒስቶ ምስ ካቢኔኦም ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ፥ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ንምዃን ኣብ ተቕርቦ ሕቶ ኣባልነት ተስማዕሚዖም።

ካቢኔ መንግስቲ እታ ሃገር ምስምዕምዑ ስዒቡ ድማ እቲ ሕቶ ኣባልነት ንምፅዳቕ ተቐባልነት ፓርላማ ክረክብ ኣለዎ።

“እቲ ውሳነ ታሪኻዊ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሳና ማሪን፥ እቲ ቀንዲ ነገር ድሕንነት ፊንላንድን ህዝባን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ውሳነ ምትሕብባርን ፀፅታን ሃገራት ኣከባቢ ኖርዲክ ዘጠናኽር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ ሕቶ ኣባልነት ከፅድቖ ኢዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.