Fana: At a Speed of Life!

ፊንላንድ ንኢትዮጵያ 4 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድ ንኢትዮጵያ 4 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይራ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ብፕሮግራም ዋን ዋሽ ዝትግበር ፕግራም መሐለዊ ስነ-ንፅህና ከምዝውዕል ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሄሌና ኤራክሲነን ኣብ ማሕበራ ትዊተር ገፀን ፅሒፈን።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዝሕግዝ መልክዑ ቀረብ ማይ ንምብፃሕ፣ ስነ-ንፅህና ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ንምምሕያሽ ኣወጋግዳ ፈሳሲን ኣካል እቲ ሓገዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እተን ኣምባሳደር፥ ፊንላንድ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምትቕፅል ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.