Fana: At a Speed of Life!

ፋሲል ከነማ ኣብ ፈላማይ ውድድር ቅድመ መፃረዪ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ኣፍሪካ ናብ ዝቕፅል ዙር ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈላማይ ውድድር ቅድመ መፃረዪ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ኣፍሪካ ምስ ቡሩንዳዊት ጋንታ ቡማሙሩ ዝተፃወተት ጋንታ ፋሲል ከነማ ናብ ዝቕፅል ዙር ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።

ፋሲል ከነማ ሎሚ መዓልቲ ናይ መልሲ ፀወታኣ 1 ን 0 ትሰዓር እምበር ብድምር ውፅኢት 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ዝቕፅል ዙር ሓሊፋ።

ኣብ ባህርዳ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ÷ ፋሲል ከነማ 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር።

እታ ጋንታ ኣብ ካልኣይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ምስ ቱኒዚያዊት ጋንታ ሴፋክሲን ክትራኸብ ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.