Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብሰብውልቀ ሃፍቲ ተጋሩ ክውነን ዘኽእል ምድላዋት ከምዝተወገነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብሰብሃፍቲ ተጋሩ ክውነን ይግባእ ክብል ቤትምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ትካል ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፌደራል መንግስቲ ዝተፈላለያ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብሃፍቲ ንክዛወራ ምውሳኑ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ካብቶም ንሰብ ወልቀ ሃፍቲ ዝሽየጡ ትካላት ልምዓት፥ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ሓደ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፋብሪካ ኣብ መሬት ትግራይ ስለዝርከብ ብሰብውልቀ ሃፍቲ ተጋሩ ክውነን ይግባእ ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ነዚ እውን ቤትምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ፥ ሰብሃፍቲ ተጋሩ ብምትእክኻብ እቲ ፋብሪካ ብተጋሩ ንክውነን ዘኽእል ምድላዋቱ ዛዚሙ ኣሎ ኢሎም ኣይተ ኣሰፋ።

ነቲ ከይዲ ንምፍፃም ዘኽእል መፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት(feasibility study) ከምዝተፈፀመ እውን ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ነዚ ንምፍፃም ልዑል ካፒታል ስለዝሓትት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልእ ከባቢ ዘሎ ትግራዋይ እቲ ፋብሪካ ንምዕዳግ ንዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሓላፊ ቤትምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዳንኤል ገብረመስቀል ብግደኦም፥ እቲ ፋብሪካ ንምዕዳግ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ንምስታፍ ዝደሊ ነጋዳይ ናብ ቤትፅሕፈቶም እናመፅአ ክምዝገብ ኣተሓሳሲቦም።

ቤትምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ፥ ሰብ ሃፍቲ ናብ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብኣካል ብምኻድ እቲ ፋብሪካ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንምርኣይ ዑደት ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.