Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ዘይቲ ኣቮካዶ ሳንቫዶ 120 ቶን ዘይቲ ኣቮካዶ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ዘይቲ ኣቮካዶ ሳንቫዶ 120 ቶን ዘይቲ ኣቮካዶ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሕርሻ ይርጋለም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ሓደ ዝኾነ ፋብሪካ መፍረዪ ዘይቲ ኣቮካዶ ሳንቫዶ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ብሰለስተ ዙር 120 ቶን ኦርጋኒክ ዘይቲ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራቡ ተገሊፁ፡፡

ሆላንድ ቀንዲ መብፅሒ ዕዳጋ እቲ ፋብሪካ ከምዝኾነት እውን ተገሊፁ፡፡

መፍረያይነት ብምድንፋዕ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ድማ ልዕሊ 80 ሺሕ ሓረስቶት ምትእስሳር ፍርያት ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡፡

ልዕሊ 120 ንዝኾኑ ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምኡ እወን ልዕሊ 200 ንዝኾኑ ግዚያዊ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.