Fana: At a Speed of Life!

ፋይናንሺያል ታይምስ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሒዙዎ ዝወፅአ ፀብፃብ ሚዛናውነቱ ናብ ህወሓት ዘዘንበለ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ፋይናንሺያል ታይምስ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሒዙዎ ዝወፅአ ፀብፃብ ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምብፃሕ ፃሕታሪ ከምዝኾነ ዘየርእይ፣ ደው ምባል ተኹሲ ብምጥሓስ ህፃናት እንተይተረፈ ናብ ኲናት ምእታዉን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየርእን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ኢትዮጵያ ፋይናንሺያል ታይምስ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሒዙዎ ዝወፅአ ሚዛናዊ ዘይኮነ ፀብፃብ  ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናብቲ ትካል ኣእቲዩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ደብዳብኡ እቲ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ሰብኣዊ ደገፍን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ንመንግስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ንምንታይ ንኣሸባሪ ህወሓት ኣየቕረበን ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እንተወሰነ እውን እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ነቲ ውሳነ እንትጥሕስን ናብ ጎረባብቲ ክልላት መጥቃዕቲ እንትስንዝር ንምንታይ ኣብቲ ፀብፃብ ዘይተኻተተ ክብል እውን ኣመላኺቱ።

ስለዝኾነ ዝተሰሓሓተን ሚዛናውነት ዝጎደሎን ፀብፃብ ፋይናንሽያል ታይምስ ንክእረም ሓቲቱ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.