Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክን ትዊተርን ሩሲያ ኣብ መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈጠሩ ኢዮም ንዝበሉዎም ገፃት ዓፂዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌስቡክን ትዊተርን ሩሲያ ኣብ መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈጠሩ ኢዮም ንዝበሉዎም ገፃት ከምዝዓፀዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ስጉምቲ ንመንግስቲ ሩሲያ ቅርቢ ዝኾነን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ኣብ ኣሜሪካ ዝተሳለጠ መረፃ ኢዱ አእቲዩ ተባሂሉ ዝኽሰስን ኤጀንሲ ምርምር በይነ መረብ ሩሲያ (ኣይ ኣር ኤ) ተተሓሒዙ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ክልተ ወርሒ ዝተረፎ ፕዚዳንት ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣብ ዝነሓንሑሉ መረፃ ኣሜሪካ ፅዕንቶ ንምፍጣር እናተንቀሳቐሰ ምዃኑ ተገሊፁ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኩባኒያ ፌስቡክ ሓፂር መርበብ ምትእስሳር ዘለዎምን ናይ ሩሲያ ኢድ ኣለዎም ዝበሎምን ኣካውንትታትን ገፃትን ምዕፃዉ ኣፍሊጡ።

ፌስቢክ ኣብቲ ዝገበሮ ወፍሪ ዝዓፀዎም 13 ኣካውንትታትን ክልተ ገፃትን፥ ትኹረቶም ኣብ ኣሜሪካ ንዝግበሩ ህዝባዊ ዘተታት ዝገበሩ ከምዝነበሩ ኣገንዚቡ።

ትውተር ብግረ,ድኡ ምስቲ ትካል ርክብ ዘለዎም ሓሙሽተ ኣካውንትታት ምዕፃዉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ትካል ስርሑ ከሳልጥ ዝፀንሐ፥ ብሽም ግብረሰናይ ዝተጣየሸ ትካል ተመዝጊቡ ብእንግሊዝኛን ዓረቢኛን ዝንበብ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ይኹን እምበር እቲ ወፍሪ ውሱን ዓወት ጥራሕ ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ኩባኒያታት ፌስቡክን ትዊተርን ገሊፆም።

ፌስቡክን ትዊተርን ምስ ኤፍ ቢ ኣይ ብምትሕብባር ምስ ሩሲያ ንኽክእ ዘለዎ ፒስዳታ ኣብ ልዕሊ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ስጉምቲ ንምውሳድ ግብሪ ሓይሊ ኣጣይሾም እናሰርሑ ከምዝፀንሑ እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.