Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ኣብ ገፁ ዝወፅኡ መደናገርቲ ምልክታታት ከምዝእግድ ኣፍሊጡ

አዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌስቡክ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ኣብ ገፁ ዝወፅኡ መደናገርቲ ምልክታታት ከምዝእግድ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዙ ወይ ድማ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ፍርያታት ኢዮም ብዝብል ኣብ ገፁ ዝጥቅዑ ምልክታታት ከምዝእግድ ኢዩ ዝገለፀ።

ሽም ቫይረስ ኮሮና ብምፅራሕ ኣብ ገፁ ዝጠቅዑ ናይ ፍርያትን ግልጋሎትን ምልክታታት ከምዝእግድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ንምዃንን ይሕግዙ ኢዮም ብዝብል ዝፍነዉ ምልክታታት በቲ ኩባኒያ ከምዝእገዱ ተገሊፁ።

ንኣብነት “ናይ ኣፍ መሸፈኒ ምግባር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል 100 ሚኢታዊ ውሕስና ኣለዎ” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም ምልክታታት ከምዘይፈቅድ ኣፍሊጡ።

ፌስ ቡክ እቶም ሰጉምቲታት ንምውሳድ ዝተበገሰሉ ምክንያት፥ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣይተከላኸለን ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ ስዒቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.