Fana: At a Speed of Life!

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ከምዝበሎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ለበዳ መዓዝ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዕልን እቶም ውድድራት መዓዝ ከምዝግበሩን ምፍላጥ ስለ ዘይከኣል ኢዩ ውሳነ ተዋሂቡ።

ብመሰረት እዚ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር ስለዝተሰረዘ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሊግ ሻምፒዮን ከምኡ እውን ወራዲ ጋንታ የለን።

ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ ሻምፒየንስ ሊግን ኮንፌዴሬሽን ካፕን ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዝውክል ጋንታ የለን ተባሂሉ።

30 ሰነ 2012 ዓ.ም ኩንትራቶም ዝዛዘም ተፃወትቲ ኩንትራት ግዚኦም ክሳብ ዝዛዘም እተን ጋንታታት ስምምዕነት ኮንትራቶም ከኽብራ ከመዝግበአን ከምዝተወሰነ እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.