Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ምጥያሽ ከንቲቫታት ኢትዮጵያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ምጥያሽ ከንቲቫታት ኢትዮጵያ ተሳሊጡ።

ብብርኪ ሃገር ዝካየድ ሮረም፥ ዝሐሸ ከተማ ንዝሐሸ ህይወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስነስርዓት ምጥያሽ ተኻይዱ ዘሎ።

እቲ ፎሮም፥ ከንቲባታት ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ከተማታት ፅሑፍ ቀሪቡ ዝዛተዩሉ፣ ዝሐሸ ኣሰራርሓ ምስ ዘለዎም ከንቲባታት ልምዲ ዝለዋወጡሉ፣ ዘጋጠሞም ፈተና እንተሃሊዩ ድማ ሓበራዊ መፍትሒ ዘተኣላልሹሉን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ከንቲባታት ኣፍልጦ ዝወሃበሉን ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሃገር በቆል ዝኾነ ፍልጠት ንኽምዕብል ዘበረታትዕን ከተማታት ምስ ከተማታት ዝህልወን ምትሕብባር ምትእስሳር ምትዕርራይን ሓደ ኣካል እቲ ፎሮም ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ተግባር ተኮር ዝኾኑ ፀገማት ዝፈትሑ ምፍትሒታት ምስፋሕን ካልኦት ክጥቀሙሎም ምግባርን ዝብል ዕላማ ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.