Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ርክባት ዘጠናኸረትሉን ረብሓኣ ዘሕለወትሉን ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ዝተካየደ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም የዓለም ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ርክባት ዘጠናኸረትሉን ረብሓኣ ዘሕለወትሉን ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ዳቮስ ዝነበሮ ተሳትፎ ብዕዉት ኩነታት ዛዚሙ።

እቲ ፎረም፥ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ዝጀመረቶም ክልተኣዊ ርክባት ዘሐደሰትሉን ሓደሽቲ ርክባት ምምስራት ዝኸኣለትሉን መድረኽ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ዳይሬክትር ኮሙዩኒኬሽንን ፍሉይ ሓጋዚ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ኣብይ ኤፍሬም ንጣቢያና ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ፎረም ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ምትእስሳር ምፍጣር ተኻኢሉ ኢዩ።

ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዓለም፣ ኣፍሪካን ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካን ዘለዋ ጉሉህ ግደን ብፅሒትን ተሰማዒትን ተመራፂትን ሃገር ከምዝኾነት ብግልፂ ዝተረኣየሉ ታሪኻዊ መድረኽ ምንባሩ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንምትግባር ዘርአየቶ ቆራፅነት፥ ተደላይነት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክብ ንኽብል ከምዝገበሮ እውን ኣይተ ኣብይ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.