Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ 160 ክልላት መረፃ ስምዕታ ኣቕሪቦም – ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ 160 ክልላት መረፃ ስምዕታ ከምዘቕረቡ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ሎሚ መዓልቲ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት መግለፂ እናሃባ ይርከባ፡፡

ኣብ መግለፂአን ድማ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ 160 ክልላት መረፃ ከምዘቕረቡን እቲ ቦርድ ስምዕተኦም ብቕልጡፍ ክፃረ ከምዝገብርን ተዛሪበን፡፡

ኣብ ከይዲ ምፅራይ ውፅኢት መረፃ ክቕይሩ ዝኽእሉ ስምዕታታት እንተሃሊዮም፥ “ዳግም መረፃ ክካየደሎም ዝኽእሉ ክልላት መረፃ ክህልዉ ክዝኽእሉ ሕጋዊ መሰረት ብምግባር ክነፍልጥ ኢና” ኢለን፡፡

ብኻሊእ መዳይ እቲ ቦርድ ኣብ 942 ሰነዳት ውፅኢት መረፃ እናረጋገፀ ንህዝቢ ከምዘቕርብ ገሊፀን፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 618 ሰነዳት ውፅኢት መረፃ ናብ ማእኸል መፂኦም ኢዮም ኢሎም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.