Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ብገዛኢ ፓርቲ ሩሲያ ኣብ ዝተሰናድአ መድረኽ ኮንፈረንስ ኢንተርኔት ተሳቲፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ብገዛኢ ፓርቲ ሩሲያ ኣብ ዝተሰናድአ ኮንፈረንስ ኢንተርኔት ተሳቲፉ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ መሪሕ ፓርቲ ኤ. ኤን.ሲ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኤ.ፒ ሲ ናይጄሪያ፣ ኤፍ ኤል ኤን ኣልጄሪያ ሓዊሱ 13 ፓርቲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተሳተፋ እንትኾና፥ እቲ መድረኽ ፓርቲ “ዩናይትድ ሩሲያ” ዘዳለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ ርክብ ፓርቲታት ንምጥንኻር ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብቲ መድረኽ፥ መሰራታዊ ኣተሓሳስባ እተን ፓርቲታትን ሃገራዊ ምንቅስቓስን፣ ቫይረስ ኮሮናን ቀፃሊ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ፓርቲታትን ብዝምልከት ዘተ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ፓርቲ ብልፅግና ሕቶ ዘበናት ዝኾነ ሕቶ ልምዓትን ዴሞክራሲን ንምምላስ ንገዛእ ርእሱ ብሓድሽ መልክዕ ምውዳቡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ገሊፁ።

ነዚ እውን እቲ ፓርቲ ካብ ምጥያሹ ጀሚሩ ብዙሓት ሪፎርምታት ፖለቲካ ምዕማም ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ምስፋሕ ምህዳር ፖለቲካ ብዝምልከት ብዙሓት ጭቡጣት ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ኣብሪሁ።

ብዙህነት ብኣግባቡ ምትእንጋድ፣ ሕውነትን ምቅርራብን ቀዳማይ መርህ ብምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ገሊፁ።

ብመሰረት ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ዴሞክራስያዊትን ዝማዕበለትን ሃገር ዕላዊ ንምግባር ዝሓዞ ጉዕዞ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሩ።

ነዚ ንምፍፃም ዘኽእሎ ኣወዳድባ ፓርቲን ብቑዓት ኣመራርሓን ኣባላትን ናይ ምፍራይ ስራሕቲ ይዕመም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝኸፍአ ጉድኣት ንከየብፅሕ ዓሊሙ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት እውን ነቶም ተሳተፍቲ ኮንፈረስ ቀሪቡ።

ፓርቲ “ዩናይትድ ሩሲያ” ብግድኡ፥ ምስ ፓርቲ ብልፅግና ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ባህጊ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.