Fana: At a Speed of Life!

ፓኪስታን “ፎረምሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪስታን” ንኽጣየሽ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓኪስታን “ፎረምሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪስታን” ንኽጣየሽ ሕቶ ኣቕሪባ።

እቲ ፎረም፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሳይንቲፊክ ዘለወን ልምዲ ንኽለዋወጣን ብሓባር ክሰርሓን ዘኽእል ኢዩ።

ኣምባሳደር ፓኪስን ኣብ ኢትዮጵያ ሾዛብ ኣባስ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘቲዮም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ዘፈር ቴክኖሎጂ ማይን ምርምር ዝገብርን ስግግር ፍልጠት ዝፈጥርን “ፎረምሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪስታን” ንኽጣየሽ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ ብግደኦም፥ እቲ ፎረም ንኽጣየሽ ሓገዝ ከምዝገብሩን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝገበረቶም ስራሕቲ ምምሕያሽ ንፓኪስታን ልምዲ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ሃገራት እስያ ዝሐሸ ልምዲ ዲጂታል ፍልጠት ስለዘለወን ኢትዮጵያ እውን ኣብ ፓኪስታን ዘለዉ ልምዲታት ከምትወስድ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.