Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሩስያን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲን ኣብ ኒው ደልሂ ብምርኻብ ምይይጥ ገይሮም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩስያ  ቭላድሚር ፑቲንን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኒው ደልሂ ብምርኻብ ምይይጥ ገይሮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዙርያ ጉዳይ ክልቲኣዊ ምይይጥ ዘርገበሩ እንትኾኑ÷ ነዚ ስዒቡ ድማ እተን ሃገራት 28 ስምምዓት ተፈራሪመን።

ኣብቲ ምይይጥ እቶም መራሕቲ÷ ምስ ቅድመ ምክልኻል ግብረ ራዕዳውነትን ዝውውር መዐወኒ ሓሽሽን ዝተትሓሓዙ ጉዳያት ትኹረት ገይሮም ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ÷ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ዘምፅኦም ሳዕቤናት እንተሃለወ እኳ ኣብ መንጎ ህንድን ሩስያን  ዘሎ ርክብ ዘምፅኦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዝየለ ተዛሪቦም።

ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ምብፅሑ ብምሕባር፤ ክልቲአን ሃገራት ወታሃደራዊ ሓይለን ንምጥንኻር ኣብ ስትራቴጅካዊ ምሕዝነት ከምዝሰርሓ ኣመላኺቶም።

ቭላድሚር ፑቲን ብወገኖም÷ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢነርጂ፣ ምርምር ህዋን ኣብ ካልኦት ዘርፍታትን ብምትሕብባር እናሰርሓ ከምዝኾና ገሊፆም።

እቶም ፕረዚደንት ግብረ ራዕዳውነትን መዐወኒ ሓሽሽን ምክልኻል ኣብ ዝካኣለሎም ጉዳይት ብዝምልከት ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሑ ብምግላፅ፤ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ከምዝገበራን ሩስያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዙርያ ወታሃደራዊ ልምምድ  ምስ ህንዲ ብዝመበለፀ ንምስራሕ ከምዝተዳለወትን ኣረጋጊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.