Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሬሲፕ ታይፕ ኤርዶሃን ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ቱርኪ ንኽደራደሩ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ታይፕ ኤርዶሃን ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኢስታምቡል ንምድርዳር ድሉው ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ኤርዶሃን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ንኽደራደራ ሕቶ ዘቕረቡ፥ ትማሊ ንፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ ኢዩ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘቀራርቡወን መምርሒታት እንተተስማዕሚዖም ምስተ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ብዘሰናድኡዎ ዘተ እተን ሃገራት ንምድርዳር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኩነታት ንሰላም ከመቻችወኦ ከምዝግባእን ኣብ ምትእምማን ዝተመርኮሰ ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባርን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኲናት ክንክያ ከምዝግባእ ፀዊዖም፡፡

ቱርኪ ብዘቕረበቶ ሩሲያን ዩክሬንን ናይ ምድርዳር ሓሳብ ግን ክሳብ ሕዚ ካብ ወገን ሩሲያ ዝተውሃበ ምላሽ የለን ክብል ኣርቲ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.