Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ሚኒስትር ልምዓት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ልምዓት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ኪም ጄይ ዩን ተዛትየን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ንብረት ለውጢ ኣየር ሰርሐኦ ዘርከባ ተግባርን ኣብ ልምዓት ደኒ ብሓባር ክሰርሑዎም ኣብዝኽእሉ ዛዕባታትን ኣድሂቦም ተዛትዮም።

ብተወሳኺ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምዕያል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታተት ብዝምልከት ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ዘሎ ርክብ ጥንኩርን ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ከምዝኾነን ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.