Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘዉዴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊይ ተዛቲየን።

እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ እናገበሮ ብዛዕባ ዝርከብ ምንቅስቓስ ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ገለፃ ገይሮምለን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ብግደአን፥ እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ኢሉ እውን ንኣፍሪካ ዝሰርሖም ዘሎ ምንቅስቓሳት ንኢደን።

ኢትዮጵያ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንኣፍሪካ ዘከፋፍሎ ዘሎ ኣቑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከም መበገሲትን ማእኽል መኸዘኒትን ኮይና ምምራፃ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊይ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምዝታዮም ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.