Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲየን።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ እቶም ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ፥ ልዕሊ 45 ኣባላት ከምዘለዉዎ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ፥ ኣብ ዝመረፃ ጣቢያታት መረፃ ብምዝውዋር ቅድመ መረፃ፣ መዓልቲ መረፃን ድሕሪ መረፃን ዘለዉ ወድዓዊ ሓቂታት ከምዝዕዘብ ኣብሪሁ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ሕብረት ኣፍሪካ ተዓዛቢ መረፃ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ መራሒ ጉጅለ ገይሩ ምምዳቡ ብምምስጋን ነቲ ጉጅለ ፅቡቕ እዋን ስራሕ ከምዝተመነያ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.