Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም።

ኣብ በዓለ ሲመት ፕሬዚዳንት ዮዌሪ ሙሴቪኒ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣብ ጉዳያት ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂበን ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲየን።

ምስ ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቪኒ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ክልቲአን ሃገራት ዲፖሎማሲያዊ ርክበን ኣብ ዘጠናኽራሉ ጉዳይ ኣመልኪቶም ተላዚቦም።

ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት እውን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራትን ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣድሂበን ተዛቲየን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብሞት ንዝተፈለዩ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ብምትካእ ናብ መዝነት ምስ ዝመፅኣ ፕሬዚዳንት ሳሚያ ሱሉሉ ሃሰን እውን ዘቲየን ኢየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ንሳሚያ ሱሉሉ ሓገዝ ከምዝገብራለን ቃል ኣቲየናለን።

ብፍላይ ብኔትወርክ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ኣቢሉ ብዙሓት ሓገዛት ከምዝረኽባን ንሰን እውን ብዙሕ ሓገዝ ክረኽባ ከምዝኽእላ ምግላፀን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.