Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ተዋሳኢትን ብምግባረ ሰናይ ተግባራ ትፍለጥን ኣንጀሊና ጆሊ ተዛትየን።

ኣንጀሊና ጆሊ፥ ኣብብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተረኺባ ኢያ ምስ ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ልምዓት፣ ደቂኣንስትዮን ስደተኛታትን ኣድሂባ ዝተመያየጠት።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ “ዑደት ኣንጀሊና ጆሊ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ኣብ እትርከበሉ እዋንን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ሓዱሽ ምዕራፍ እናተኸፈተ ኣብዝርከበሉ ወቕቲን ዝተገበረ ዑደት ብምዃኑ፤ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዘሎ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ንምልዋጥ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ” ኢለን።

ብሰብኣዊ ስራሕታ ትፍለጥ ኣንጀሊና ጆሊ ብግደኣ፥ “ናብ ኢትዮጵያ ዝመፃእኹ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንምስራሕ ዘኽእሉ ዕድላት ንምርኣይ ኢዩ” ኢላ።

ጓል 14 ዓመት ሰገን ትውልደ ኢትዮጵያዊት ዘሃራ ሓዊሱ ካልኦት ደቂ ኣንጀሊና እውን ምስታ ተዋሳኢት ሓቢሮምዋ ከምዝመፅኡ ካብ ቤት ፀሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.