Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚረሬታት ዓረብ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚረሬታት ዓረብ ሼኽ ኻሊፋ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢሚሬታ ዓረብ ተረኺበን ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘሰናደኦ መዝገብ መግለፂ ሓዘን፥ “ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኢሚረሬታት ዓረብ ሼኽ ኻሊፋ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝተሰመዐኒ ሓዘን ብሽመይን ሽም ህዝቢ ኢትዮጵያን ክገልፅ ይፈቱ” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊረን።

ንህዝቢን መንግስቲን ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ፣ ንሓዱሽ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ከምኡ እውን ንንጉሳውያን ስድራቤት ምፅንዕናዕ ተመኒየን።

ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ኢሚሬታ ዓረብ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺ ከምትቕፅል እውን እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መግለፂ ሓዘነን ምሕባረን ኢቢሲ ፀብጺቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.