Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ዓለም ለኸ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣድሂበን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ዓለም ለኸ ስርዓተ-ትምህርቲ ንምዝታይን ምትላምን ምስ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ተዛቲየን።

እቲ ኮሚሽን ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ሙሁራንን ሰብ ሞያታትን ዝሓቖፈ ኢዩ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዘበናዊን ንኹሉ ዘሓቁፍን ትምህርቲ እንታይ ክመስል ከምዘግበኦ ንሓንፀፅቲ ፖሊሲታት፣ መምህራንን ተምሃሮን መምርሒ ኮይኑ ዘገልግል ፀብፃብ እናሰናደአ ይርከብ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸቡ ርኢቶታትን ኣመልኪተን ምስቲ ኮሚሽን ብሰፊሑ ከምዝተዛተያ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ኮሚሽን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝተጣየሸ ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.