Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ብር 50 ሺሕ ሓገዝ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ብር 50 ሺሕ ሓገዝ ገይረን።

ኣቦ መንበር “ሰብኣዊ ፍቕሪ ንትግራይን መተከልን” ብዝብል ዝንቀሳቐስ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ታማኝ በየነ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛቲዩ።

እቲ ኮሚቴ ንመሰል ኢትጵያውያን ፍሉይ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ ሓገዝ እናካየደ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

አተን ፕሬዚዳንት እውን ብውልቀን ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ብር 50 ሺሕ ሓገዝ ገይረን ኣለዋ፡፡

ብጥምረት እናተኻየደ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ ከምዚ ዓይነት ጥምረት ኢትዮጵያዊነት ንምጥንኻር ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ንሰን እውን ምስ ምንቅስቓስ እቲ ጥምረት ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾና ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.