Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ በዓል መዓልቲ ናፅነት ኤርትራ ኣመልኪተን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ በዓል መዓልቲ ናፅነት ኤርትራ ኣመልኪተን መልእኽቲ ንመንግስቲን ህዝቢን እታ ሃገር እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ተጠናኺ ንኽቕፅል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቆራፅነት ኣረጋጊፀን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኸኦ ደብዳበ፥ ንመንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ሰላምን ምዕባለን ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን፡፡

ብተመሳሳሊ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ በዓል መዓልቲ ናፅነት ኤርትራ ኣመልኪተን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መልእኽቶም ንመንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ሰላም፣ ፍቕሪን ዓወትን ከምዝምነዩ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.