Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ባይደንን ምስ ናይ ሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ጀነቫ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ አካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጆ ባይደንን ፕዳዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲንን ዝለዓለ ትፅቢት ዝተገብረሉ ኣኼብኦም ኣብ ጀኔቫ ጀሚሮም።

ዋና ከተማ ስዊዘርላንድ ዝኾነት ጀኔቫ ዝተመረፀትሉ ብታሪኽ ብፖለቲካዊ ገለልተኛነታ ስለ እትፍለጥ እዩ ተባሂሉ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ዕድል ንምትሕብባር ከምዝጥቀምሉ እንተሰሚርሎም’ውን ኣብ መንጎ ሞስኮን ዋሽንግተንን ዘሎ ወጥሪ ዝተመልኦ ርክባት እቲ ትፅቢት ትሕት ኣቢሎምዎ ኣለው።

እቲ ዝርርብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣገደስቲ ስምምዕ ምብፃሕ ቅሬታቶም ከስምዑ ትፅቢት ይግበር።

ብመሰረት እዚ እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ሩስያዊ መዘናኦም ቭላድሚር ፑቲንን ዘካይድዎ ዋዕላ ኣቓልቦ ማዕኸናት ዜና ዓለም ስሒቡ’ሎ።

ምኽኒያቱ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ዝምድና ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣብ ዝርከበሉ እዋን’ዩ እቲ ርክብ ዝካየድ ዘሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ምቁፅፃር ወተሃደራዊ ኣፅዋርን ኣመሪካ እተቕርቦ ክሲ መርበባዊ መጥቃዕቲ ሩስያን ተዘራሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕድሕደን ኣምባሳደራት ድሕሪ ምስሓበን ርክበን ናብ ዝተሓተ ዲፕሎማስያዊ ብርኪ ወሪዱ ይርከብ።

ዋላ’ኳ እቲ ኣኼባ ብዙሕ ፍረ ክረከበሉ’ዩ ዝብል ትፅቢት እንተዘየለ ገለ መበገሲ ዝኸውን ስምምዕ ክበፅሑ ተስፋ ይግበር።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.