Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሃገሮም ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዋ ርክብ ኣቋሪፀምዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዋ ርክብ ከም ዘቋረፅዎ ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ዝሃብዎ ውሳነ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቻይና ተሓታቲት ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣይገበራን ካብ ዝብል ዝብገስ ኢዩ ተባሂሉ።

ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም ምሉእ ብምሉእ ፅዕንቶ ተዕርፈሉን ትቆፃፀሮን ኣላ ክብሉ ወቐሴታ ኣቕሪቦም።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝነበራ ርክብ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክነቋርፅ ኢና ክብሉ ኣብ ዋይትሃውስ መግለፂ ሂቦም።

ሃገሮም ነቲ ውድብ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ናብ ካልኦት ኣካላት ክተዘዋውሮ ምዃና’ውን ተዛሪቦም።

ውድብ ጥዕና ዓለም  እቲ ዝበዝሐ ደገፍ ገንዘብ ካብ ኣሜሪካ ዝረክብ እንትኸውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ጥራሕ ልዕሊ 400 ሚልየን ዶላር ካብታ ሃገር ከምዝረኸበ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.