Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ቻይናዊ ትካል ቲክቶክ ኣብ ሃገሮም ንከየገልግል ዘኽእል ክታም ሎሚ መዓልቲ ከንብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብቻይና ዝውነን ተንቀሳቓሲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሖ መተግበሪ “ቲክቶክ” ኣብ ኣሜሪካ ንከየገልግል ከምዝእግድዎ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ነቲ መተግበሪ ንምኽልካል ሎሚ ቀዳም ክታሞም ከምዘንብሩ ሓቢሮም።

ሰብ መዚ ፀጥታ ኣሜሪካ ብውሳነ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ብምሕባር፥ ቲክቶክ ውልቃዊ ሰነዳት ናይ ሰባት ኣብ ምስናድ ሓጋዚ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዚ ተገልገልቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝውስኹ ዘለዉ ቲክ ቶክ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ወርሓዊ 80 ሚልየን ሰባት ይጥቀምሉ ተባሂሉ።

ኣሜረካውያን ቲክ ቶክ ከይጥቀሙ እንተተኸልኪሎም እዚ ብቻይናዊ ትካል ባይት ዳንስ ዝውነን ቲክ ቶክ ዓቢ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽእል እውን ይግመት።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ መግለ፥ “ይፍተዉ ይፅልኡ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ከይሰርሕ ንእግዶ ኣለና” ኢሎም ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.