Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንሱዳን ካብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ዘልዕላ ክታም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተሰማምዐት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምልዓሎም’ዩ ነቲ ምስ እስራኤል ዝተበፅሐ ስምምዕ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ።

ሰዳን ከም ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ እስራኤል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1948 ካብ ትምስረት ጀሚራ ከም ፀላኢታ ብምርኣይ ኣፍልጦ ከይሃበታ’ያ ፀኒሓ።

“ካልኦት 5 ሃገራት ዓረብ’ውን ምስ እስራኤል ሰላም ክገብራ ድሌት ኣለወን” ክብሉ ትራምፕ ተዛሪቦም።

ዮርዳኖስ ኣብ 1994 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት እንከላ፥ እታ ንፈለማ እዋን ስምምዕ ሰላም ዝፈረመት ዓረባዊት ሃገር ግብፂ ድማ ኣብ 1974 ዝምድናኣ ምስ እስራኤል ፈሊማ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንሱዳን ብወግዒ ካብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረ ራዕዲ ሃገራት ድሕሪ ምልዓሎም፥ ብቴለፎን ንመራሕቲ ሱዳንን እስራኤልን ከም ዘዘራረብዎም እውን ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፥ እቲ ስምምዕ “ኣገዳሲ ናይ ሰላም ምዕባለ’ዩ” ኢሎም።

ብተወሳኺ  ምጅማር ሓድሽ መዋእል ዘበስር’ዩ ከብሉ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.