Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ዝውገዝን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ- ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ዝውገዝን ተቐባልነት ዘየብሉን ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ገሊፆም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ዕለተ ሓሙስ ዝኽበር መበል 1 ሺሕን 495 በዓል መውሊድ ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ዝውገዘን ተቐባልነት ዘየብሉን ኢዩ ክብሉ ኣውጊዞም።

ነብዩ መሓመድ ኣብ መሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት እወንታዊ ነገራት ሰሪሖም ከምዝሓለፉ ተቀዳሚ ሙፍቱ ሓጂ ዑመር ገሊፆም።

ብዓል መውሊድ ንሰላት ናብ መስጊድ ዝኸዱ ምእመናን ርሕቐቶም ብምሕላው ንቤተሰቦምን ገዛእ ርእሶምን ካብ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንክከላኸሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኢትዮጵያውያን ምትሕዝዛን፣ ሓቢርካ ምብላዕን ምድግጋፍን እንበር ምቅትታል ባህሎም ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዝኾነ ምቅትታል ደው ክብል፤ ምጥፍፋእ እንተይኮነስ ንሰላምን ሓድነትን ብሓባር ደው ምባል ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብፈቲያ ኣብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.