Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ጅማ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ጅማ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅማ ኣባጅፋር እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባቀብላ ገይረሙሎም።
ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኦስማን ሳሊሕን ኣማኻሪኦም የማነ ገብረኣብን ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ ኢዮም ተባሂሉ።
ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ቀጠናዊ ዛዕባታትን ብምድሃብ ክዛተዩ ኢዮም ክብሉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፅ ፅሒፎም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.