Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኣልጀርያ ነበር ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ ዓሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣልጀርያ ነበር ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ ድሕሪ ብዙሕ ሕማም ኣብ መበል 84 ዓመቱ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።
 
መራሒ ኣልጀርያ ብምዃን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝመርሑ ቡተፍሊቃ፥ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ሓምሻይ እብረ ስልጣን ከናውሑ ኣብ ዝኣወጅሉ ግዜ ልዑል ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ተገዲዶም ኢዮም።
 
ንሶም ኣልጀርያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ክትወፅእ ኣብ ዝተገበረ ናይ 1950ታትን 60ታትን ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ቃልሲ ዓብይ እጃም ነይርዎም።
 
ኣልጀርያ ኣብ 1999 ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕድሕዳዊ ኵናት ኣስታት 200 ሽሕ ዜጋታታ ዝሞቱ ኮይኖም፥ ቡተፈሊቃ ብተምሕፅንታ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር መራሒ እታ ሃገር ክኾኑ በቒዖም።
 
ቡተፍሊቃ ድሕሪ 2013 ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ መራኸቢቲ ሓፋሽ ሒደት’ዮም ተራእዮም።
 
ኣልጀርያ ኣብ 1962 ካብ መግዛእቲ ፈረንሳይ ሓራ ምስወፅአት ናብ ፖለቲካዊ ንጥፈት ከምዝኣተዉ ዝንገረሎም ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ፥ ኣብ ዒስራታት ዕድሚኦም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምዃን ሰሪሖም ኢዮም።
 
ፍልፍል፦ቢቢሲ
 
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.