Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ናብ ሆስፒታል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ዓብደልማጂድ ቴቦኔ ብሕማም ናብ ሆስፒታል ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣልጀሪያ ወሳኒ ህዝበ ውሳነ ሕገ-መንግስቲ ንምግባር ኣብ ምድላው ኣብ ትርከበሉ እዋን ኢዮም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ናብ ዝርከብ ወታደራዊ ሆስፒታል ኣቲዮም ዘለዉ።

ፕሬዚዳንት ዓብደልማጂድ ቴቦኔ፥ ናይ ቀረባ ደገፍቶምን ሰብ መዚ መንግስቲን ቫይረስ ኮሮና ምስተረኸቦም ብማዕዳ ዶኳትሮም ንሓሙሽተ መዓልቲ ንባዕሎም ወሺቦም ፀኒሖም ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ብፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ዝሓበረ ቢሮ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ስረሖም እናሰርሑ ከምዝቕፅሉ እውን ገሊፁ።

ኣልጀሪያ ኣብ ዝቕፅ ሰንበት፥ ግዘ ስልጣን ፕሬዚዳንት ንምግዳብ፣ ፓርላማን ቤት ፍርዲን ተወሰኺ ስልጣን ንክረኽቡ ዝገብርን ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ንምግባርን ክዝበ ውሳነ ክተካይድ ኢያ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.