Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ አፈወርቂ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ አፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ሚኒስቴር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት፥ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ሓዊሱ ብዛዕባ ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ካልኦት ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ልዝብ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ተፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.