Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት እስማዒል ዑመር ገለ ንሓሙሻይ ግዜ ኣብ ምርጫ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ  ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ንሓሙሻይ ግዜ ኣብ ዝተወዳደርሉ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ 98 ሚእታዊት ብምርካብ ተዓዊቶም።

መወዳድርቶም ዝነበሩ ዘካርያ ኢስማዒል ፋራህ፥ ድምፆም ካብ ዝሃቡ መረፅቲ ናይ 1 ነጥቢ 59 ካብ ሚኢታዊ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።

ንከይዲ እቲ ምርጫ ዝመርሐ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሕመድ ሼኽ፥ ብዓርቢ 177 ሽሕ መረፅቲ ድምፆም ከም ዝሃቡ ሓቢሮም ኢዮም።

ኣብ ፈለማ ብዝሒ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምፆም ንምሃብ ዝተመዝገቡ 200 ሽሕ ምዃኑ ተነጊሩ ።

ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፥ ካብ 1999 ጀሚሮም ነታ ሃገር ዝመርሑ ኢዮም።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሖም።
ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.