Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ናይ 5 ዓመት እገዳ ተመሓላሊፉዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓለም ለኻዊ ኣማሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ) ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ኣሕመድ ኣሕመድ ናይ ሓሙሽተ ዓመት እገዳ ኣመሓላሊፉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ምስ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ተተሓሒዙ ጥፍኣተኛ ኢዮም ክብል ከምዝኣገዶም እውን ፊፋ ገሊፁ፡፡

ኮሚቴ ስነ-ምግባር ፊፋ እውን ኣሕመድ ኣሕመድ ምስ ተኣማኒነትን ጥቕሚን ዝተተሓሓዙ ደምቢታት ጥሒሶም ኢዮም ክብል ገሊፁዎም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ እም ፕሬዚዳንት እገዳ ሓሙሽተ ዓመት ኣመሓላሊፉሎም ኣሎ፡፡

ወዲ 60 ዓመት ኣሕመድ ኣሕመድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2017 ጀሚሮም ንኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ብፕሬዚዳንትነት እናመርሑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.