Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ፓርላማኦም በቲኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ፓርላማኦም ካብ ቀዳም ምሸት ጀሚሮም በቲኖምዎ።

ስጉምቲ እቶም ፕሬዚዳንት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብታ ሃገር ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዝተኣተዉ ቃላት ተፈፀምቲ ንምግባር በሪ ዝኸፍት ኢዩ ተባሂሉሉ፡፡

እዚ ድማ ኣባላት ፓርላማን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ንምስታፍ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብታ ሃገር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕነት፥ ካብ ሞንጎ ኣባላት ፓርላማ 25 ሚኢታዊ ሪክ ማቻር ካብ ዝመርሑዎ ፓርቲ ንኽኾኑ ይድንግግ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብታ ሃገር ሓዱሽን ካብ ኩሎም ፓርቲታት ዝተዋቐረ ሰራዊት ምክልኻል ንኽህሉ ይእዝዝ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ሓዱሽ ፓርላማ ከጣይሹ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2013 ዝጀመረ ጎንፂ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 380 ሺሕ ዜጋታት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ ኢዩ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.