Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ 2020 ንክናዋሕ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ 2020 እታ ሃገር ንክናዋሕ ሓቲቶም።
 
እቲ ምርጫ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ሕዳር ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን፥ ግዝኣታት እታ ሃገር ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና እቲ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ብኣገልግሎት ሰታሪት/ፖስታ ቤት ዝተሓገዘ ንክኸውን ምሕታቶም ይዝከር።
 
ፕሬዚዳንት ትራምፕ፥ እቲ ምርጫ ብኣገልግሎት “ፖስታ ቤት” ምዃኑ ንምጭብርባርን ዝተጋገየ ውፅኢት ንክህሉን ዝገብር ብምዃኑ እንተተናውሐ ይሓይሽ ክብሉ ሓሳብ ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።
 
እቲ ምርጫ እንተተናዊሑ ህዝቢ ኣሜሪካ ድሕንነቶም ብዝሓለወ መገዲ ንምክያድ ዘኽእል ኢዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
 
ፍልፍል፦ቢቢሲ
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.