Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ተዛትዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ዕለት ከምዝተዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ሞንጎ ከተማ ጂቡቲ ዝኾነት ኣርታን ከተማ ሃረርን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበፅሐ ህውነታዊ ስምምዕነት ከምዘድንቑ ፕሬዚዳንት ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ሓድጊ ዓለም ዝተመዝገበት ከተማ ሃረር ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲን ምርምርን ንዝግበሩ ስራሕቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምተበርክት ገሊፆም።

ከተማታት ሃረርን ኣርታን ዝገበረኦ ሕውነታዊ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ሰፊሕ ልምዲን ዕድልን ብምጥቃም ንዕቤት ኢዮጵያን ጂቡቲን ልዑል ግደ ከምዝፃወታ እውን ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፥ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ንዝተገበረሎም ሰናይ ኣቀባብላን እንግዶትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ጂቡቲያውያን ካልአይቲ ከተመኦም ኣብ ዝኾነት ከተማ ሃረር ዑደት ንኽገብሩ እውን ፀዊዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.