Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን መበል 46 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ቃለማሕላ ፈፂሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን መብል 46 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ቃለማሕላ ፈፂሞም።

ፀላም ኣሜሪካዊት ካማላ ሃሪስ ድማ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ቃለማሕላ ፈፂመን ኣለዋ።

ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ቃለማሕላ ድሕሪ ምፍፃሞም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሓድነት ክህልወና ኣለዎ” ክብሉ ነቲ ተኸፋፊሉ ዝርከብ ህዝቢ ኣሜሪካ ተማሕፂኖም።

ኣብቲ ፅንብል ፕሬዚዳንታት ነበር ባራክ ኦባማ፣ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ዘይንቡር ብምግባር ኣብቲ ፅንብል ኣይተሳተፉን።

ምክትሎም ማይክ ፐንስ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኢዮም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደርኦም፥ ነቲ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 400 ሽሕ ቀቲሉ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ ለበዳ ቫይረስኮሮና ብሓድነት ክግጠም ፀዊዖም።

ንሶም ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ’ቲ ቃለማሕላ ዝፈፀመሉ ህንፃ ካፒቶል ብደገፍቲ ትራምፕ ዝተፈፀመ ውሽጣዊ ሽበራ እውን ኮኒኖም።

ናይ ኩሉ ኣሜሪካዊ ፕሬዚዳንት ኮይኖም ከምዘገልግሉ’ውን ቃል ኣትዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.