Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ፅባሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ፅባሕ ናብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዘካይዱ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ፅባሕ ናብ ጁባ ዘምርሑ እንትኾኑ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ዘተ ከመዝገብሩ ተሓቢሩ።

እቶም መራሕቲ ኣብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት በዝምልከትን እቲ ርክብ ብዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸረሉን ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ክላዘቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ከምኡ ውን ኣብ ጉዳያት ፀፃት እቲ ቀጠና ዘተ ከምዝገብሩ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.