Fana: At a Speed of Life!

ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ካበዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መምህር ጂኦግራፊ፣ ፖለቲከኛን፣ ደራሲን ዝነበሩ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ካበዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እውን ብሕልፈት ፕሮፌሰር መስፍን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ኣብ ዝፀሓፉዎ መግለፂ ሓዘን፥ “ምልክት ልዕልና ሓሳብ፣ መርኣያ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ንዘኣመኑሉ ነገር ክሳብ መወዳእታ ዝሟገቱ፣ ንዘኣመኑሉ ሓቂ ጥራሕ ጠጠው ዝብሉ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደ ማርያም ብምዕራፎም ዓሚቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ” ክብሉ ገሊፆም።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ንስድራቤት፣ ዘመድ ኣዝማድን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ምፅንዓንዕ ተመኒዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.