Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ህይወቱ ንሃገርን ህዝቢን አሕሊፉ ዝህብ ዘሎ ሓይሊ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኩሉ ግዘ ህይወቱ ንህዝቢን ሃገርን ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ንኽብሪ ሃገሩን ባንዲርኡን ልዑል መስዋእቲ እናኸፈለ ዝርከብ ሓይሊ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ክብረ በዓል “ልዕሊ ርእስኻ ንሃገርን ህዝቢን!” ፖሊስ ፌደራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ተኸቢሩ።

ኣብቲ ኽብረ በዓል ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ፖሊስ ኣብ ምሕላው ሰላም ኢትዮጵያን ህዝባን ኩርዓት ኮይኑ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ፖሊስ፥ ኩሉሻዕ ንገዛእ ርእሱ ንሃገርን ህዝቢን ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ንኽብሪ ሃገሩን ባንዲርኡን ልዑል መስዋእቲ እናኸፈለ ዝርከብ ሓይሊ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ሰራዊት ፖሊስ ዝናብ፣ ፀሓይ ይኹን ሓዘን እንተየሰኮኖ ዝተውሃቦ ግቡእ ከምዝዋፃእ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምርኢት ኣብነት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ዘኹርዕ ሰራዊት ንኽኸውን ድማ ዝተጀመረ ስራሕቲ ለውጢ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ዘጥፍኡ ሰባት ምፍላይ ዝተሓላለኸን ኣፀጋሚን ይኹን እምበር ፖሊስ ንዜጋታት ካብ ሕማቓት ሰባት ምሕላው ልዑል ሓላፍነት ስለዘለዎ ሓላፍነቱ ብግቡእ ንምውፃእ ስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅ ይግባእ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንዝኆነ ይኹን ፀላኢ ዘይትምብርከኽ ንጎረባብቲ ሃገራት ድማ ኩርዓት ንኽትከውን፥ ግደ ፖሊስ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝተኸበረ በዓል፥ ድልውነት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፖሊስ ዝበፅሐሉ ብርኪ ዘርኢ ፍሉይ ምርኢት ቀሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፣ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ ስነስርዓት ኣከባብራ በዓል ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.