Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ብር 300 ዝኸውን ነባርን ሓዱሽን ዘይሕጋዊ ኖት ብር ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ብር 300 ዝኸውን ነባርን ሓዱሽን ዘይሕጋዊ ኖት ብር ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ነባር ኖት ብር ካብ ክልተ ተጠርጠርቲ ዘይሕጋዊ ብር 174 ሺሕን 350 በዓል ሚኢቲን በዓል ሓምሳን ክሕዝ ክኢሉ ኢዩ።

ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ድማ ልዕሊ ብር 200 ሺሕ ሓዱሽ ዘይሕጋዊ በዓል ሚኢቲን ክልተ ሚኢቲን ኖት ብር ክሕዝ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፥ 14 ሺሕን 800 በዓል ሚኢቲን በዓል ሓምሳን ኖት ዶላር ኣሜሪካ ሒዙ።

ኣብ ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ሓላፊ ዲቪዥን ምቁፅፃር ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ኣይተ ሽመልስ ጥበቡ፥ ኣብ ነባር ዘይሕጋዊ ኖት ብር ሓደ መዝገብ ክሲ ከምኡ እውን ኣብ ሓዱሽ ዘይሕጋዊ ኖት ብር ኣርባዕተ ናይ ክሲ መዛግብቲ ብምኽፋት ፖሊስ ምፅራይ እናገበረ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ የሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.