Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈፀመ ገበን ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም 10 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራን ልዕሊ ብር 17 ሚሊየን ዝግመት ጉድኣት ምብፅሑን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈፀመ ገበን ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም 10 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራን ብር 17 ሚሊየን 620 ዝግመት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፁ።

ንደቂ ኣንስትዮ ኣገዲዶም ክድፈራ ብምግባርን ኣብ ቅንፀላ ንፁሃን ሰባት ቀጥታ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ 36 ተጠርጠርቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ንሳልሳይ ግዘ ቀሪቦም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ጃንቦ ብርሀነ፣ ሳጅን ርስቃይ በሪሁንን ዳንኤል ገብሬን ብዝብል ኣብ ሰለስተ ዝተወደበ መዝገብ ተኸፋፊሎም ኢዮም ቀሪቦም ዘለዉ፡፡

መርማሪ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተውሃቦ ተወሳኺ መዓልቲ ምርመራ ዘሳለጦም ስራሕቲ ኣቕሪቡ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ተተርጠርቲ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ምስ ጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ብምውዳድ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ብምፍከላይ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ንኽቕተሉን ጉድኣት ኣካል ንኽፅሖም ከምዝገበሩን ገሊፁ፡፡

በቲ ዝተፈፀመ ገበን ጉድኣት ዝበፅሖም 59 ተጎዳእቲ መረዳእታ ሕክምና ካብ ሆስፒታል ጎንደር ምቕራቡ፣ ናይ 20 ሰባት ቃል ምስክር ከምዝተቐበለን ካብ ሆስፒታል ሳንጃ ናይ 118 ሰባት መረዳእታ ሕክምና መጠን ጉድኣት ምቕራቡን ኣብሪሁ፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ማይካድራ ብር 17 ሚሊየንን 620 መጠን ዘለዎ ጉድኣት ምብፅሑ ዝገልፅ መረዳእታ ምቕራቡን ዝበፅሐ ጉድኣት ዘመላኽት መረዳእታ ምስሊን ሓበሬታን ምትሕሓዙ እውን ገሊፁ።

117 ሰባት ተቐቲሎም ናይ ሓባር መቓብር ዝተቐበሩሉ ውፅኢት ምርመራ ኣስከሬን ካብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ንምምፃእን ተወሳኺ ናይ ሰብ ምስክር ንምቕባልን ተወሰኽቲ 14 መዓልቲታት ምርመራ ንኽወሃቦ ሓቲቱ፡፡

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም ተወሳኺ ግዘ ክወሃብ ኣይግባእን ክብሉ ተቓዊሞም ተኻቲዖም፡፡

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.