Fana: At a Speed of Life!

ፖል ካጋሜ ኣብ ሰብ መዚ ምክልኻል ሃገርን ድሕንነትን ሃንደበታዊ ለውጢ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብ ሚኒስትራትን ኣዘዝቲን ምክልኻል ሃገርን ድሕንነትን እታ ሃገር ሃንደበታዊ ለውጢ ምግባሮም ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ጆቪኔል ማሪዛሙንዳን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር፣ ሌተናል ጄነራል ሙባራክ ሙጋንጋን  ድማ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንክኾኑ ተሸይሞም።

ብተወሳኺ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ሓበሬታን ድሕንነትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብሓዱሽ ኣዛዚን ሓላፊን ምትክኦም ተገሊፁ።

ሞዛምቢክ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተዋፈረ ሓይሊ ርዋንዳ እውን ለውጢ ኣዘዝቲ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ዘ ኒው ታይምስ ሩዋንዳ ከመዝፀብፀቡ፥ ፕሬዚደንት ካጋሜ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ዕላዊ ዝገበርዎ እቲ ሹመት ሃንደበታዊ ኢዩ ነይሩዕላዊ ዝገበርዎ እቲ ሹመት ሃንደበታዊ ኢዩ ነይሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.