Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 559 ተወሰኽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕሬታ ከምዝተገበረሎም ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)1 ሺሕን 559 ተወሰኽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕሬታ ከምዝተገበረሎም ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ እቶም ይቕሬታ ዝተገበረሎም ተሃነፅቲ ኣብ ጣብያ ፖሊስ ዝነበሩ፣ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ጉዳዮም ብእዋኑ ንውሳነ ብዝጥዕም ተፃሪዩ ዘይቀረበን ተሃነፅቲ ፌዴራል ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝነበሩን ተሃነፅቲ ኢዮም ኢለን።

እቶም ተሃነፅቲ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ይቕሬታ ኣብቲ እዋን ብምኽኒያት ዝነበረ ኣፃዳፊ ኩነታት ከይተሓወሱ ከምዝተረፉ እውን ኣብሪሀን።

ቤት ህንፀት ብመሰረት ዘቕረቦ ዝተፃረየ ሓበሬታ እቶም 1 ሺሕን 559 ተወሰኽቲ ተሃነፅቲ ቦርድ ይቕሬታ ጉዳዮም ከምዘፃረዮ ብምሕባር፥ ንፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብምቕራብ ዝተውሃበ ውሳነ ይቕሬታ ከምዝኾነ ድማ ኣፍሊጠን።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል፥ ኣብ ኣብያተ ሀንፀት ዘጋጥም ምልባዕ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ኣብ ቀረባ እዋን 4 ሺሕን 11 ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕርታ ከምዝተገበረ ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.