Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 214 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 214 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 220 ህፃናትን እንትኾኑ፥ 774 ደቂ ተብዕትዮን 220 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስዮን ማሕበራዊ ፈጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም 6 ሺሕን 881 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.