Fana: At a Speed of Life!

127 ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዓለምለኸ ጉጅለ ሓለዋ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ 31 ሃገራት ዓለም ዝርከቡ 127 ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዓለምለኸ ጉጅለ ሓለዋ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ብሌይስ ሎፖን ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ ሰራሕተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ለበዳ ሕማም ኮቪድ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕዙዝ ግደ እናተፃወቱ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ መብዛሕተኦም ስረሖም ኣብ ዘሳልጡሉ እዋን እኹል ናይ መከላኸሊ መሳርሒ ብዘይርካቦም ህይወቶም ክስእኑ ተገዲዶም ኢዮም ኢሎም።

ብመሰረት እቲ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ዝገበሮ ቆፀራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ሚያዚያ ክሳብ 31 ጉንበት ብውሑዱ 127 ጋዜጠኛታት ብኮቪድ-19 ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፉ ጋዜጠኛታት ልዑል ቁፅሪ ዝተመዝገበላ ኣህጉር እንትኸውን፥ ብውሑዱ 62 ጋዜጠኛታት በቲ ቫይረስ ግዳያት ኮይኖም።

ኣብ ኣህጉር ኣውሮፓ 23፣ እሲያ 17፣ ሰሜን ኣሜሪካ 13 ከምኡ እውን ኣፍሪካ 12 ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብብርኪ ሃገር ፔሩ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ጋዜጠኛታት ማለት እውን 15 ጋዜጠኛታት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ብራዚልን ሜክሲኮን ሕድሕደን 13 ጋዜጠኛታተን ስኢነን ኢየን።

ፍልፍል፦ ኣናዶሉን ደይሊ ባንግላዲሽን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.